Banner
You are here: Home እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ጋዜጣዊ መግለጺ- ግፍዒ መሬት

ጋዜጣዊ መግለጺ- ግፍዒ መሬት

E-mail Print Print

ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሱም ግፍዒ ምስቲ ኣብ ሃገርና ጽተፈጸመ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ገበን ክወዳደር ከሎ ፍጹም መዘና የብሉን። ነዚ ምልካዊ ምሕደራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝበሃል ኣምር ትርጉም የብሉን።

ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሕብረተሰብና ዝርከብ ዜጋ ግዳይ ናይ ክግመት ዘሸግር ኣረሜናዊ ጭቆና ኮይኑ መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዲዕ ዝበለ ባርነት ጥሒሎም ማንም ሰብ ሓሪሱ ነጊዱ ወይ ብዝመስሎ ኣገባብ ሰሪሑ ሂወቱን ሂወት ቤተ ሰቡን ክመርሕ ብዘይምኽኣሉ ኣደዳ ድኽነትን ጥሜትን ኮይኑ ከርተት ይብል ኣሎ። እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጨካን ውልቃዊ ምሕደራ  ንምትግባር ኣብ ሕብረተሰብና ዘይሐዊ ስነ ኣእምሮኣዊ ስምብራት ከምዝገድፈሉ ኣየጠረጥርን ከም።

እዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ከይኣክል ነቲ ፍሹል ቁጠባዊ ሜላታቱ ንምሽፋን ድኽነትን ጥሜትን ህዝብና ሳዕቤን ዋሕዲ ዝናብ ጥራሕ ንምምሳል ኣሬሜናዊ ተግባራቱ ብምቕጻል ንጥንታውያንን ታሪኻውያንን ዓድታት ምፍንቃልን ደቀባት ምብትታንን ዘውጽኦ መደብ ንምትግባር ምድላው የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።  

ንነባሪ ወዲ ዓዲ መሬቱ ኣሕዲግካ ንኻልእ ብሐይሊ ካብ ኣበሐጎታቱ ዝወረሶ ዓድን መነባብሮን ኣዘንቢልካ ኣብቲ ብሕገአልቦ ኣገባብ ዝተወስደ መሬት ስፈር ማለት ነቲ ቀዳማይ ከም ካልአይ ደረጃ ዜጋ ምውሳድ ነቲ ካልአይ ከኣ ከም ተሐባባሪ ናይዚ እከይ ውጥን ጌሩ ከቅርብ ዝኽእል ኣዕናዊ ፖልቲካዊ ሜላ ምኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እዚ መደብ ዚ እንተተግቢሩ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩ ንሓድነት ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ንህልውና ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቅ ኣየከራኽርን። ሕጂ ድማ  ብዝስፍሐን ዝዓበየን ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ንምህሳስን ንምድምሳስን ልዕሊ 88 ዓድታት ካብ መቦቆል በታኦም ንኽለቁ መደባት ኣውጺኡ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ኣሎ::

ነዚ እከይ ተግባራት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ :  መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ኣጥቢቑ ይቃወሞን ይኹንኖን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክቃወሞን ክኹኑኖን ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን ይጽውዕ ። ንምፍሻሉን ምብሮዓኑን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ሓላፍነት ምኻኑ የተሓሳስብ።

ዓወት ንሐርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ : 
መጋቢት 19, 2009

 

Add comment

Security code
Refresh

ናዕታ

ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ! ( ዑቕባይ ገብረመድህን)

ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ

Read more...

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان (Maazin Abdul Qhanee)

ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር
ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር
ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር
ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡
"ንፋቐር ንሳነ ንከባበር
ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር"

Read more...
More: