You are here: Home እዋናዊ ዋዛ

ዋዛ

ካብ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ባለነኪ

3ይ ክፋል

‘’ሕክያ’’

..............እንተኾነ ግን ኢሳይያስን ጉጅልኡን ይፍተው ይጽልኡ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ጽልኢት ካብ ዝኮነ  እዋን ንላዕሊ ዘረጋገጸሉ ሳምንቲ ምንባሩ ባዕላቶም’ውን ኣዳዕዲዖም ፈሊጦም ኣለው፡፡ ንህዝብና ድማ ኣገዳሲ ዓወት ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ብኣካል ብዛዕባ ምማቱ ዘይምማቱ ኣየግደስናን ኢዩ፡፡ ዕላምኡን እምነቱን ኮታ ሕልንኡ ሞይቱ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉ ስርዓት ባዶሽ ምኻኑ ካብዚ ንላዕሊ መረዳእታ የልቦን፡፡

 

 

እዞም 330+ ናይ ዋዕላ

ተዋዛያይ #1፡ እሞ፣ ኣንጻር ዋዕላ ከምዚ፣ ዋዕላ ከምቲ፣ ዝብሉ ዘለውኸ?

ተዋዛያይ #2፤ ንሶም ድማ ከምኡ። ምስዓር የሕምም ኢዩ ኢሎሞ። እታ ሲኒማ ባዕሎም ከይሰርሕዋ ኣይሰርሕዋ። ስለዘይሰርሕዋ ቀጨውጨው ኣቢልዎም።

 

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤

በሃሊት፤ ሪኢኻዶ? ኣነን ንስኻን ብሓደ ተሳኢልና ንዋዕላ ኣማዕሪግናዮ ይብል ኣነ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣለኹ ምባል እውን ኣድለዪ እዩ። እቶም ዓው ኢሎም ኣይከውንን እዩ ዝበሉ ተሳዒሮም። እረ መልሓሶም ኣብ መድረኽ ኮይኖም እንተዝቖርጽዎ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ዘረባሲ ብእንግሊዝ ስለዝጥዕም ብዝርዝር ኣንብቡ።

 

   
 

ወረ እገዳ ኣብ ኣስመራ

   

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ ወጺኦም። ዋዕሮ ክትሕተትን ክትዛረብን ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ገጻን ኣዒንታን ርኢዮም እቶም ንዓምዲ ዋዛ ዝኸውን ወረ ዝደለዩ ጋዜጠኛታት እውን ኣይደፈሩን።…

 

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ።

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ማለት፣ ድሕሪ 5 ዓመት ፕረዚደንት ዝነበረን፣ ብጸቕጢ ሕዝብን ኩነታትን ንኽወርድን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝተገደደን ኩርማንበክ ባኪየቭ፣ ጉዳይ ዜና ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።  እዚ ብሓሙስ 4/15/2010 ዝተፈጸመ ዜና ኢዩ።

ሃገረ ኪርግይስታን ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ድኽነታን ሓይሊ ኤለትሪክ ንምምጻእ ናብ ቻይና ዝተላእከ ወዲ ፕረሲደንትን ንፖለቲከኛታት ምቕታልን ምእሳርን ንጋዜጠኛታት’ውን ከምኡ ጥራሕ ኢዩ። ብዝተረፈ ምስ ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብላን።

ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝተገደደ ፕረሲደንት ኩርማንበክ ባኪየቭ ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዝርከባ መንግስታትን ኣሜሪካን ውድብ ሓለዋን ምትሕብባር ኤውሮጳን ብዝገበርኦ ምትሕግጋዝ እዩ ናብ ስደት ከምርሕ ኪኢሉ።

 

   
 

“ተበገስ” ሲዒራ

ኣብ ርእይቶታት ኣዝማሪኖ እንግሊዝ እትጽሕፍ “ማርያም” ዝተባህለት ሓድሽ ወረ ነጊራ። ዋዛ ክደልዩ ሃሰው ክብሉ ዝውዕሉ (ካልእ ስራሕ የብሎምን)፣ ቁምነገር መሲሉ ስለዝተሰምዖም ጨረታ የለን ድዩ? ንበይና ድያ ክትወስዶ? ክብሉ ሓተቱ። ስም መርበብ ኣዝማሪኖ፣ ብጥቅምቲ 2010 ፍቓድ ግዜኡ ክወድቕ እዩ’ሞ ኣብ ነጻ ዕዳጋ ርእሰ ማልነት ክኣቱ ስለዝኾነ፣ “ኣነ ክወስዶ እየ” ዘስምዕ እያ ዝጸሓፈት። ዓምዲ ዋዛ፣ ምናልባት “ማርያም” ን”ኣዝማሪኖ” እንተወሰደት ካልእ ስም ክንህባ ዝብል ውድድር ኣካይዶም ቀዳመይቲ “ተበገስ” ሲዒራ ኣላ።

ተወዳደርቲ፡ 10ይቲ፣ መዓስ? 9ይቲ = ዘይሕለል፣ 8ይቲ = ዘይደክም፣ 7ይቲ = ዘይግድስ፣ 6ይቲ = ብሕጊ፣ 5ይቲ = ዘይርብርብ፣ 4ይቲ = መሰልና ደሊና፣ 3ይቲ = ርእሰ ኸተማና፣ 2ይቲ ኣዝማሪና ነይረን።

ስም እንታይ ኢዩ?

   
ፊላደልፍያ

ፊላደልፍያ ፈሊላ። “ግመል ሰሪቕካስ……….”

ፊላደልፍያ ፈሊላ። “ግመል ሰሪቕካስ……….” ኣይፋል “ዑቕባ ዝሓተቱ ከይኮኑ?” ኣይፋል።  እንታይ ድኣ ተሓቢኦም ኣብ ጎደና 22? ውረዱ ውረዱ ውረዱ*።

የቐንየልና ፊሊ። ኣይተረሳዕክን። ከመይ ክትርስዒ ታሪኻዊት ከተማ ኣሜሪካ። “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” እሞ ብእንግሊዝ። ኣገናዕ ኣገናዕ ኣገናዕ። ነዚ ኣሳእል ዝረኣዩ ዋናታት ከተማ ታሪኻዊት ፊላደልፍያ፣ ንዲክተተር ክንድዚ ደገፍ? ነውሪ። ስምና ኣኽፊእኩም፤ ብዝብል ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶሞም ስለዝቐነዩ ኢዩ እዚ ዋዛ ደንጒዩ። ኣመሓደርቲ እታ ከተማ፣ ቋንቆኦም ኢዩ ኢሎም፣ ናይ ቆዮቜን ጸርፍን ጠበቓታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክካትዑ ኣምጺኦም። ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይረኽብዎም ምእንቲ ካበየናይ ከተማ ኣይተነግረን። ንኤርትራ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ ንምስግጋር ስለዝበቕዑ ግን ኣመስጊኖሞም። ለዋህ ኢዩ ሕዝቢ ፊሊ።

 
ሰላማዊትን መሳልፍታን

ብልጫ ጎደና 22 ለካቲት

ስርዓት ኢስያስ ንሕዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣህጉራዊ ወርሒ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበረሉ ዘሎ መጋቢት፤ ንሓሙሽተ ትውልዲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደዳ ስደትን ውግእን ኲናትን መቑሰልትን ውርደትን ሳዋን ሲናይን ጥርቡልን ብምግባሩ ፍሉይ “ብልጫ” ተዋሂብዎ ኣሎ። ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ኣብ ወጻኢ ዝምቕማጦም፣ ብፍላይ ጽምዲ ዝኾኑ ሰባት፣ ባዕሎም ኣብ ጽርግያ ስለዝወጹ ነዚኦም እውን “ፍሉይ ብልጫ” ተዊሂቡ ኣሎ። ሰለዚ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ተቐበልቲ ንምፍላጥ ኣብዚ ኣንብቡ።  

   
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  4 
  •  Next 
  •  End 
  • »

ናዕታ

ካብ 24/1991 ጉምበት ክሳብ ሕጂ ጥሜት (ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ)

ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና
መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

Read more...

መንእሰይ! ተበገስ ( ረድኢ ክፍለ (ባሻይ))

ጅግንነትካ ዓለም ዘንፈጥፈጠ
ኣጻብዕካ ጥይት ዝሸምጠጠ
ፈሪሁዶ ‘ብለካ ዘይፈለጠ
ዘንጊዕካ’ምበር ብተመን ውሻጠ
ጎበዝ ንቐል ናባኻ’ዩ ውራይ
ኣብ ገዛእ ገዛኻስ ዳርጋ ክራይ
ህግደፍ ክኣስረካስ ትብል ሕራይ
ወድ መንከ ክትብሃል ዳሕራይ?

Read more...
More: