ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ናይ መጥበውቲ ነፈርቲ ለመምታ ወ.ዘ.ተ. ማለት ናይ እንስሳታት ዓለም ስነ ፍልጠታዊ ትምህርቲ ይወሃብ ነበረ። ኣብ ሓደ ሰዓት እቲ መምህር ነቶም ተመሃሮ ዝተፈላለያ እንስሳታት እንታይ ዓይነት እንስሳ ከምዝኾኑ ከምተረድኦም ክፈልጥን ከፍልጥን ምእንቲ፣ ኣብነታት ኣምጽኡ ይብሎም ነበረ። ንኣብነት መጥበውቲ ጎሪላ፣ ህበይ፣ ወዘተ። ድሕሪ እዚ ድማ ካብተን ዝነፍራ ዝበሃላ ኣብነታት ሓተተ። ተመሃሮ በብግደ ጽምብላሊዕ፣ ዑፍ፣ ንስሪ፣ እናበሉ በብሓደ ኢዶም ብስነ ስርዓት እናውጽኡ ይምልሱ ነበሩ። ሓደ ተመሃራይ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ዓው ንዝበለ ድምጺ "ሓርማዝ" በለ። እቲ መምህር ገሪምዎ እዋእ "ሓርማዝ" በሎ። "እወ" በለ እቲ ተመሃራይ ብነድሪ። እቲ መምህር ህድእ ኢሉ "ኣታ ወደይ ከረድኣካ ምእንቲስ ስምካ መን እዩ?" በሎ። "ኣነ ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ እየ" መለሰ ተመሃራይ። እቲ መምህር ሽዑ "ሕራይ እዚ ወደይ ሓቅኻ" ኢሉ ነታ ኣስተምህሮ ዓጸዋ።
ብድሕሪ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ክፍሊ ዝነበሩ "ሓሳዊ" ተመሃራይ ሙሉቕ ኢሉ ክፍቶ ምእንቲ ናብ ድረክተር ከይዱ መምህር ስነ ፍልጠት "ሓርማዝ ትነፍር ሓቂ እዩ ኢሉ ሚሂሩና" ክብል ነገረሉ። እቲ ድረክተር ድማ ንመምህር ጸዊዑ "እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ካን ስነ ፍልጠት ለብዘበን ከመይ ድዩ" ኢሉ ሓተቶ። እቲ መምህር "እሞ እቲ ተመሃራይ ዘይንጽዎዖ፣ ባዕልኹም ትሓትዎ" በሎ። ዲረክተር ጥልዕ ኢሉ "ሕራይ" በለሞ እቲ ተመሃራይ ተጸወዐ። ዲረክተር እዚ ወደይ ካብዘን ዝነፍራ እንስሳ ንገረኒ በልዎ። ንሱ ድማ እንደገና ካብኦም ንላዕሊ ጥልዕ ኢሉ "ሓርማዝ" ኢሉ ጨደረ። ሰምቢዶም "እዋእ እዚ ወደይ መንዩሞ ስምካ" በልዎ ከይዝንጥልዎ ደልዮም በቲ እውን ወለዱ ክጽውዑ እንተኾይኖም ከፈርራርሑዎ። "ኣነ ኣብርሃም ኢሳያይስ ኣፈወርቂ እየ" በሎም። ዲረክተር ቀስ ኢሎም ኣስተንፈሱ። "በል ድሓን እዚ ወደይ ኪድ ሓቅኻ" ኢሎም ኣፈነውዎ። ወጺኡ ምስረሓቐሎም ናብቲ ምስኦም ዝነበረ መምህር ጥውይ ኢሎም "ኣታ ሓቅኻ እንዲኻ፣ ካብ ንሕና ንነፍር ሓርማዝ ትንፈር" በሉዎ።
እዚ ብ"ልዑል" ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝፍለጥ፣ ኣቦኡ ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃገር ክሰዶ ምእማን ስለዝሰኣነ ኣብታ ሓንቲ ተሪፋ ዘላ ኮሙኒስታዊት ሃገር ቻይና ወሲዱ የቐምጦ ኣሎ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ከምቲ ናይ ኣቡኡ "ክእለት" ምግዛእ ተማሂሩ ክመጽእን ሃገር ክርከብን ድማ ትጽቢት ይገበረሉ ኣሎ። ንኤርትራ ብዘውጽኦ ናይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ "20 ዓመት" ፕላን ብግቡኡ ይኸይድን ከምዘሎን መደቡ ድማ ብዘይካ እታ ቁሩብ ህንጥሾ ዘበለቶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት (ግዜ ቀቲላትሉ ግንከኣ ንብዙሓን ኤርትራውያን መንእሰያትን ምኩራትን ብምልጋስ ጠቒማቶ) ከምዘላታ ትኸይድ ከምዘላን እኳድኣ ናይ ኤርትራውያን ምጥፋእ ነቶም ንስልጣኑ ዝጠቕምዎ ሰባት ናይ ምድልዳል ዕድል ሂብዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ይሕብሩ።




ናይ ሓደስቲ