Banner
You are here: Home ዋዛ “ተበገስ” ሲዒራ

“ተበገስ” ሲዒራ

E-mail Print PDF

ኣብ ርእይቶታት ኣዝማሪኖ እንግሊዝ እትጽሕፍ “ማርያም” ዝተባህለት ሓድሽ ወረ ነጊራ። ዋዛ ክደልዩ ሃሰው ክብሉ ዝውዕሉ (ካልእ ስራሕ የብሎምን)፣ ቁምነገር መሲሉ ስለዝተሰምዖም ጨረታ የለን ድዩ? ንበይና ድያ ክትወስዶ? ክብሉ ሓተቱ። ስም መርበብ ኣዝማሪኖ፣ ብጥቅምቲ 2010 ፍቓድ ግዜኡ ክወድቕ እዩ’ሞ ኣብ ነጻ ዕዳጋ ርእሰ ማልነት ክኣቱ ስለዝኾነ፣ “ኣነ ክወስዶ እየ” ዘስምዕ እያ ዝጸሓፈት። ዓምዲ ዋዛ፣ ምናልባት “ማርያም” ን”ኣዝማሪኖ” እንተወሰደት ካልእ ስም ክንህባ ዝብል ውድድር ኣካይዶም ቀዳመይቲ “ተበገስ” ሲዒራ ኣላ።

ተወዳደርቲ፡ 10ይቲ፣ መዓስ? 9ይቲ = ዘይሕለል፣ 8ይቲ = ዘይደክም፣ 7ይቲ = ዘይግድስ፣ 6ይቲ = ብሕጊ፣ 5ይቲ = ዘይርብርብ፣ 4ይቲ = መሰልና ደሊና፣ 3ይቲ = ርእሰ ኸተማና፣ 2ይቲ ኣዝማሪና ነይረን።

ስም እንታይ ኢዩ?

ጁልየት ንሮመዮ “ስም እንታይ ኢዩ? ዕምባባ ጽገረዳ ካልእ ስም እንተዝዋሃቦ ሽትኡ ጥዑም ምዃኑ ኣይተርፍን” ።

ናይ ክልቲኦም ቤተ ሰብ ባእሲ ንፍቕሮም መሰናኽል ምስ ኮነ፣ ስሙን ስም ስድርኡን ኣይደልን እየ ኢሉ ምስነገራ ዝመለሰትሉ……

Juliet:
"What's in a name? That which we call a rose
By any other name would smell as sweet."
Romeo and Juliet (II, ii, 1-2)


ምጽሕታር “ማርያም” ብኹለንትንኡ ክፋእን ጨረምረምን ኣለዎ። ገለ ንሓንቲ ካልእ ጻሕታሪት ነገር የዘክር?? እተን ብቐይሕ ሕብሪ ተለኽየን ኣብ ጎደና 22 ከመሓድራ ዝወዓላ ኣጻፋር ዶኾን ይኾና? እንድዒ!

ስለምንታይ “ማርያም”? እቲ ስነ ምግባር ዘይብሉ ብውዲትን ብሽርሒን ብምስጢርን ኣብ ሃገር ዝኣተወ፣ ካብቲ ብዙሕ ዝጥቀመሉ ስልቲ፣ ኤርትራውያን ውርዙዋትን ነውሪ ዘይቅበሉን እዮም ዝብል ካብ ናይ 40 ዓመት ትዕዝብቱ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ (ካብ “ንሱ” ድሕሪ ሎሚ “እቲ” ክበሃል ተወሲኑሉ ዘሎ) ግን ኣይግድሶን እዩ።  ስጋእ ዝብሉሉ ነገር ኩላ እዩ ዘውጽእ። ኣጸያፊ ንዕዑ መሳርሒ ኢዩ። ነውሪ እውን ከምኡ። ኣብ ኩሉ ዓለም ዘንብቦ ቅርዓት ኢንተርነት፣ ዘይንቡርን ክፉእን ኮመንት ምጽሓፍ ናቱን ሰዓብቱን ኣተግበርቱን ተልእኾ ኢዩ። ኣይገርምን።

“ሳላኺ“ “ማርያም” ዝተሳእነ የልቦን። ብዙሕ ነገር ተፈሊጡ። የቐንየልና። ን”ስም” መርበብ ካብቲ ዘይተኣገድክሉ ቦታ ኮይንኪ ክትወስዲ እንተኺኢልኪ፣ ተማልእና። 

ዓምዲ “ናዕታ” ዶብና ትሰግሩ ኣለኹም ስለዝበሉና ብዛዕባ’ዚ ዝያዳ ካብ ምጽሓፍ ተቖጢብና ኣለና። እንታይ ክንገብር ዘመን ህ.ግ.ደ.ፍ. መንደፍ።

 

Comments  

 
-2 #3 wedizelanbesa 2010-05-11 10:18
eritreans dormant hanseba italian slave what r u shouting about?iam surprising by your tv,radio,and all ur communication talk about ethiopia why?the 3000years old ethiopia is at all not comparable with the rough eritrea,your slave population canot compared at all with the prod that never been colonaized ethiopian people.so,ethiopia and eritrea are logically unrelated.stop shouting about ethiopia.
Quote
 
 
0 #2 Birhane afaraaaaaaa 2010-04-28 23:12
kila dhul himak!!!!!!!!!! !!
abey eika zeleka bejaka, getsika b bered tehatsebo.
Quote
 
 
-2 #1 ብርሃነ ተኸስተ - ሰልፊ ፓልቶክ 2010-04-20 04:44
ይድረስ ላብ ጎይታይ ኦዎባማ

ናይ ሻዕብያ ሰራዊት ነቱይ ነብሱ ልምድሓን ድፍዑ ገዲፉ ዝሃድም ልነበረ ፍረ ነብሲ ዘይብሉ ሰራዊት ወያነ ሙሉእ ብሙሉእ ደምሲሱ ፤ ለቱ ልቐረየ ታብ ጥቕሚ ወፃኢ ገሩይዎ ፤ ጦርነት ጠጠው ከምዝብል ጌሮም! ትግራይ ዓድና ባሕሪ ኣልቦ ኾይና! ብዙሕ ሠራዊት ወያነና ሃሊቑ። ኢኮኖሚ ትግራይ ዓድና ድዋዕዋዕ ኢሉ። ትግራይ ንኸይትዓቢ ዓጊቶምዋ አዮም። ባሕሪ-ኣልቦ ጌሮምዋ እዮም።ብዙሕ ደም ተጋሩ ልፈሰሰሳ ባድመ ንኤርትራ ተዓዲላ። ከምዙይ ተኾይኑማ፤ ብኤርትራ እንዳተበፅበፅና ክንነብር የዀናይ! ይኣክል!!

ጎይታይ ኦዎባማ : ኤርትራ ብዓንተራት ፈረንጂ ክትቆፃፀር ኣለዋ! ንኤርትራን ዘረግቲ ሰያጥን ኤርትራውያንን ካልኣይ ግዝየ ንትግራይ ከምዘይደፍርዋ ክሓስዩዎም ኣለዎም። ክለውሶዎም ኣለዎ። ክደቑሶዎም ኣለዎ። ከም ሓምሊ ክቕርድዶም ኣለዎም። ንሕና ተጋሩ ብኤርትራውያን እንዳተሓመስና ክንነብር ኣይኮንናን። ሰላም ብሓይሊ ጥራሕ እዩ ዝሰፍን!!


ወደብ ዓሰብ ታሪኽዊት ተፈጥሮ ሃፍቲ ባሕሪ ትግራይ ከምዘኾነት’ውን ኣይዘንጋዕ ንብል።

ሳላኹም ፈረንጂ ክንዕወት ኢና!

የቐንየለይ፡፡
ብርሃነ ተኸስተ - Dembe Democrasy ሰልፊ ፓልቶክ
Quote
 

Add comment

Security code
Refresh

Banner

ዋዛ

እዞም 330+ ናይ ዋዕላ (ዋዛ ዲያስፖራ)

 እዞም 330+ ናይ ዋዕላ

ተዋዛያይ #1፡ እሞ፣ ኣንጻር ዋዕላ ከምዚ፣ ዋዕላ ከምቲ፣ ዝብሉ ዘለውኸ?

ተዋዛያይ #2፤ ንሶም ድማ ከምኡ። ምስዓር የሕምም ኢዩ ኢሎሞ። እታ ሲኒማ ባዕሎም ከይሰርሕዋ ኣይሰርሕዋ። ስለዘይሰርሕዋ ቀጨውጨው ኣቢልዎም።

Read more...

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣድሓኖምን በሃሊትን፤

በሃሊት፤ ሪኢኻዶ? ኣነን ንስኻን ብሓደ ተሳኢልና ንዋዕላ ኣማዕሪግናዮ ይብል ኣነ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ኣለኹ ምባል እውን ኣድለዪ እዩ። እቶም ዓው ኢሎም ኣይከውንን እዩ ዝበሉ ተሳዒሮም። እረ መልሓሶም ኣብ መድረኽ ኮይኖም እንተዝቖርጽዎ ጽቡቕ ኔሩ። እዚ ዘረባሲ ብእንግሊዝ ስለዝጥዕም ብዝርዝር ኣንብቡ።

 

Read more...

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ (ዋዛ ድያስፖራ)

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ

ኣንበሳን ዋዕሮን ካብ ኤርትራ ወጺኦም። ዋዕሮ ክትሕተትን ክትዛረብን ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ገጻን ኣዒንታን ርኢዮም እቶም ንዓምዲ ዋዛ ዝኸውን ወረ ዝደለዩ ጋዜጠኛታት እውን ኣይደፈሩን።…

Read more...

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ። (ዋዛ ድያስፖራ)

ብዛዕባ ኩርማንበክ ባኪየቭ ዜና ተኸልኪሉ።

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ማለት፣ ድሕሪ 5 ዓመት ፕረዚደንት ዝነበረን፣ ብጸቕጢ ሕዝብን ኩነታትን ንኽወርድን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝተገደደን ኩርማንበክ ባኪየቭ፣ ጉዳይ ዜና ብናይ ኤርትራ ማዕከናት ንከይፍኖ (ንከይመሓለለፍ) ንሚኒስትሪ ዜና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።  እዚ ብሓሙስ 4/15/2010 ዝተፈጸመ ዜና ኢዩ።

ሃገረ ኪርግይስታን ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ድኽነታን ሓይሊ ኤለትሪክ ንምምጻእ ናብ ቻይና ዝተላእከ ወዲ ፕረሲደንትን ንፖለቲከኛታት ምቕታልን ምእሳርን ንጋዜጠኛታት’ውን ከምኡ ጥራሕ ኢዩ። ብዝተረፈ ምስ ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብላን።

ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝተገደደ ፕረሲደንት ኩርማንበክ ባኪየቭ ኣብ ከባቢ እታ ሃገር ዝርከባ መንግስታትን ኣሜሪካን ውድብ ሓለዋን ምትሕብባር ኤውሮጳን ብዝገበርኦ ምትሕግጋዝ እዩ ናብ ስደት ከምርሕ ኪኢሉ።

 

Read more...
More: